
- ጀሆቫ ዊትነስ (መጀመርታ): ኣብ መወዳእታ 19 ክፍለ ዘመን ብቻርልስ ቴዝ ሩሰል (Charles Taze Russell) እዩ ተጀሚሩ። ሩሰል ኣብ 1845 ዓ.ም ኣብ ኣሜሪካ ተወሊዱ።
- ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይትኡ: ካብ ሓደ ክርስቲያናዊ ስደራ ቤት እንተ ተወልደ’ውን፡ ብትምህርቲ ኣሪያኖስን (ስሕተት) ኣድቨንቲስትነትን (ሓደ አካል ፕሮተስታንት) ስለ ዝተጸልወ ካብ ሃይማኖቱ ወጸ። ኣብ 1872 ዓ.ም እውን ናይ ሓሶት ወይ ናይ ባዕሉ ስነ-ሓሳብ ኣብ ኣሜሪካ ዘርገሐ።
- ንግድን ውዲትን: ብመልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ምስ ኣተዎ፡ ንንግድን ኢንዱስትርያዊ ትካላትን ተጠቐመሉ። ብተወሳኺ “ናይ ተኣምር ስርናይ” ካብ ቅዱስ ስፍራ ዝመጸ እዩ እናበለ ንብዙሓት ሓረስቶት ስለ ዘታለለ፡ ተኸሲሱ ኣብ ፍርዲ ቐሪቡ እቲ ስርናይ ተራ ምኻኑ ታሪኽ የረድእ።
- ናይ ሓሶት ትንቢት (1914 ዓ.ም): ሩሰል “ዓለም ኣብ 1914 ዓ.ም ክትብቅዕ እያ፡ ካልኣይ ምጽኣት ጎይታ እዩ” ኢሉ ተንበየ። ነገር ግን እቲ ትንቢት ሓሶት ኾይኑ ተረፈ። ነዚ ንምሽፋን ድማ ንተኸተልቱ “ብሥጋ ኣይመጸን፡ ብመንፈስ እዩ መጺኡ” ብምባል ንሓሶት ብሓሶት ክሽፍንዎ ፈተኑ። ሩሰል ኣብ 1916 ዓ.ም ብሓደጋ ሞተ።
- ካብ ምስዕብ – ጃጅ ሮዘርፎርድ (Judge Joseph Rutherford): ንሱ’ውን ብወገኑ ናይ ሓሶት ትንቢት ተንበየ። “ኣብ 1925 ዓ.ም ኣብርሃም ምስ ብዙሓት ነብያት ክመጹ እዮም” ብምባል ኣብ ካሊፎርንያ ናይ $75,000 $ ሕጻር (ቪላ) ሰርሐ። እንተኾነ ግን ነብያት ኣይመጹን እቲ ትንቢት’ውን ከምቲ ናይ ሩሰል ሓሶት ኾይኑ ተረፈ።
2. ቀንዲ ናይ እምነት ስሕተታቶምን ናይ ኦርቶዶክስ መልስን
ጀሆቫ ዊትነስ ዝብል ስም ካብ ብሉይ ኪዳን ዝተወሰደ ናይ ኣምላኽ ስም እዩ።”የሆዋ” (Yahweh / YHWH) ዝብል እዩ።ምስክራት (Witnesses): ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና ይብሉ።
ንሳቶም ብሓፈሻ ምስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝራኸብ የብሎምን። ቀንዲ ፍልልያቶም ዘርዝር ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡
1. ናይ ክርስቶስ ኣምላኽነት ይክሕዱ
- ናይ ጀሆቫ ዊትነስ እምነት: ንእየሱስ ክርስቶስ ከም ፍጡር (ሰብ ጥራይ) እዮም ዘስዕብዎ። “ኣብዛ ምድሪ ካብ ዝነበሩ ዝዓበየ ሰብ” እናበሉ ይጽውዕዎ።
- ኦርቶዶክሳዊ መልሲ: ክርስቶስ ኣምላኽ እዩ። ሮሜ 9:5 “…ክርስቶስ ብሥጋ ካብኣቶም እዩ፡ ንሱ ንዘለኣለም ቡሩኽ ኣምላኽ ልዕሊ ኹሉ እዩ፡ ኣሜን” ይብል። ኣብ ዮሓንስ 1:1 “ቃል ብመጀመርታ ነበረ… እቲ ቃል እውን ኣምላኽ ነበረ” ዝብል እውን ይርከብ።
ዘአፍሮስዮስ · ም 51፡3
- ኣምላኽ ከምዝኾነ፡ ካብ ካልእ ዝተረኽበ ካልእ ከምዘይኮነ፡ ካብ ኵሉ ሰብ ከም ሓደ ከምዘይኮነ፡ ናይ ወዱ ነገር ተዛረበ። ንሱ ቀዳምን ሰዓብን ዘይብሉ ወዲ እግዚአብሔር እዩ ደኣ እምበር። ማቴ 17፡3-8። ሮሜ 9፡5። 1ይ ዮሐ 5፡9-11።
እልመስጦአግያ · ም 3፡16
- ሰብ ዝኾነ ንሱ ሓቀኛ ኣምላኽ እዩ። ኣቐዲሙ ብነቢያት ዝተፈልጠ፡ ብሓዋርያት ዝተሰብከ። ዮሓ 1፡46። ሮሜ 9፥5። ግብ ሐዋ 1፡8።
2. ናይ ሓዲሽ ኪዳን ትርጉም ይልውጡ
- ናይ ጀሆቫ ዊትነስ እምነት: ንመጽሓፍ ቅዱስ (ሓዲሽ ኪዳን) ናቶም ፍሉይ ዝኾነ ትርጉም ብምድላው ነቶም ብዛዕባ ኣምላኽነት ክርስቶስ ዝነግሩ ጥቅስታት ይልውጥዎም።
3. ነፍሲ ዘለኣለማዊት ምኻና ይክሕዱ
- ናይ ጀሆቫ ዊትነስ እምነት: ሰብ ምስ ሞተ ከም እንስሳ እዩ፡ ኣይሰምዕን፡ ኣይሓስብን፡ ነፍሲ እትበሃል ዘለኣለማዊት ነገር የላን ይብሉ።
- ኦርቶዶክሳዊ መልሲ: ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝተሰቅለ ሸፋጥ “ሎሚ ምስኣይ ኣብ ገነት ክትህሉኻ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” (ሉቃስ 23:43) ኢልዎ እዩ። ሰብ ምስ ሞተ ከም እንስሳ ዝተርፍ እንተ ዝኸውንሲ ነዚ ምኣይበሎን ነይሩ።
4. ናይ ክርስቶስ ብሥጋ ምዕራጉ ይክሕዱ
- ናይ ጀሆቫ ዊትነስ እምነት: እየሱስ ክርስቶስ ክዓርግ ከሎ ብሥጋኡ ኣይዓረገን፡ ብመንፈስ ጥራይ እዩ ዓሪጉ ይብሉ።
- ኦርቶዶክሳዊ መልሲ: መጽሓፍ ቅዱስ ብሥጋኡ ከም ዝዓረገ ይምስክር። ኣብ ሉቃስ 24:50-51 “ኢዱ ኣልዒሉ ባረኾም… ካብኣቶም ተፈልየ ናብ ሰማይ እውን ዓረገ” ይብል። ኣብ ራእይ 1:18 “እቲ ህያው እውን ኣነ እየ፡ ሞይተ ነይረ እንሆ ድማ ንዘለኣለም ህያው እየ” ይብል። ቶማስ እውን ንቑስሉ ብኢዱ ጨቢጡ “ጎይታይን ኣምላኽይን” (ዮሓንስ 20:27-28) ኢልዎ እዩ።
ዘሠለስቱ ምዕት · ም 17፡9
- ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ሞት ተንሥአ፡ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ ውን ብምስጋናን ብኽብርን ናብ ሰማይ ዓረገ ኣብ ማዕረ አቦኡ ድማ ተቐመጠ። ዘፍ 49፡9። መዝ 3፡5። 12(11)፡5-6። ማቴ 28፡1-7። ዮሓ 2፡19- 23። 1ይ ቆሮ 15፡3-5።
ዘሠለስቱ ምዕት · ም 18፡20
- ብምስጋና ናብ ሰማያት ዓረገ፡ ንሕያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ውን ብጐይትነት ካልኣይ ክመጽእ እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ ውን ንኣምን ኢና በሉ።
ዘአትናቴዎስ · ም 23፡12
- ሓዋርያ ጴጥሮስ ከምዝበሎ፡ ሞት ክኅዞ ኣይከኣሎን እዩ። ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ማዕረ አብ ውን ተቐመጠ።
- ነቲ ቃለ እግዚአብሔር ክሕብር፡ ጐይታ (አብ) ንጐይታይ (ወልድ) ብየማነይ ተቐመጥ በሎ ክብል ነቢይ ዳዊት ኣብ መጽሓፉ ከም ዝበሎ። መዝ 16(15)፡6- 11። 110(109)፡1። ግብ ሓዋ 2፡25- 29። ማቴ 22፡41-46።
5. ንኢየሱስ ክርስቶስ “ቅዱስ ሚካኤል መልኣኽ እዩ” ይብሉ
- ናይ ጀሆቫ ዊትነስ እምነት: ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ፍጡር ዝኾነ ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል እዩ ይብሉ።
- ኦርቶዶክሳዊ መልሲ
◦ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዕብራውያን 1:13-14 ክርስቶስ ካብ መላእኽቲ ዝበልጽ ምኻኑን መላእኽቲ ንኣገልግሎት ዝተላእኩ መናፍስቲ ምኻኖምን የብርህ።
◦ ኣብ ዕብራውያን 1:6 “መላእኽቲ ኹሎም ይሰግዱሉ” ይብል። መላእኽቲ ንመልኣኽ ኣይሰግዱን እዮም።
◦ ኣብ ዮሓንስ 1:3 “ብእኡ ኹሉ ኾነ፡ ካብቲ ዝኾነ ዘበለ ኸኣ ብዘይ ብእኡ ዝኾነ የልቦን” ስለዚ ክርስቶስ ፈጣሪ እዩ እምበር ፍጡር መልኣኽ ኣይኮነን።
6. ምድሪ ሲኦል ክትከውን እያ ይብሉ
- ናይ ጀሆቫ ዊትነስ እምነት: ገነት ኣብዛ ምድሪ እያ ክትከውን፡ መንግስተ ሰማያት ዝበሃል የልቦን ይብሉ።
- ኦርቶዶክሳዊ መልሲ: መጽሓፍ ቅዱስ ሰማይን ምድርን ከም ዝሓልፍ ይነግረና። ማቴዎስ 5:18 “ሰማይን ምድርን ክሳብ ዘሕልፍ…”፡ 2ይ ቆሮንቶስ 5:1-2 ድማ “እዛ ምድርራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት፡ ኣብ ሰማያት ዘለኣለማዊ ቤት ካብ ኣምላኽ ከም ዘሎና ንፈልጥ ኢና” ይብል። (ርኣይ እውን፡ ማቴ 7:21, ማቴ 6:20, ሉቃ 10:20)።
7. ካልኦት ዝክሕድዎም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቅታት
- ኣማላድነት ቅዱሳን ኣይኣምኑን
- ታቦት፡ ቊርባንን ቤተ ክርስቲያንን ኣይኣምኑን
8. ንቅዱስ ሥላሴ ይኽሓዱ - ትምህርቶም: ጀሆቫ ዊትነስ ን ቅዱስ ሥላሴ (ኣብ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ) ብሙሉኡ ይነጽግዎ። ንመንፈስ ቅዱስ እውን ከም ኣካል (Person) ኣይርእይዎን እዮም፤ ኣብ ክንድኡ “ናይ ኣምላኽ ግብራዊ ሓይሊ” (Active force) ጥራይ እዩ ይብሉ።
- ኦርቶዶክሳዊ መልሲ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ ምኻኖም ተገሊጹ ኣሎ። ማቴዎስ 28:19 “ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣጥምቕዎም” ይብል። መንፈስ ቅዱስ እውን ኣካልን ኣምላኽን ምኻኑ ኣብ ግብሪ ሐዋርያት 5:3-4 (ጴጥሮስ ንሓናንያ፡ “ንመንፈስ ቅዱስ ኣታሊልካ… ንኣምላኽ እምበር ንሰብ ኣየታልልካን”) ብንጹር ይርከብ።
መክሥተ አርእስት · ም 1፡1
- ሓደ ኣምላኽ ብዝኾነ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣመንና፡ በቲ ድኅነትና ዝተረኽበሉ ረድኤት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይቶም ነታ ሓዋርያት ዝኣከብዋ ሓንቲ ምእመን ቤተ ክርስቲያን ዝመሃሩ ኣቦታት ሃይማኖት ክንጽሕፍ ንጅምር ኣሎና።
እልመስጦአግያ · ም 2፡5
- ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሕይወትነት ንባህርይ ኣዳም ዘኽበሮን ናይ ባህርይ ኣምላኽ ዝገበሮን ንሱ እዩ።
ዘዘካርያስ · ም 108፡21
- አብ ዝተወልደ ከምዘይኮነ ንፈልጦ ኢና። ወልድ ግና ተወላዲ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ካብ አብ ዝሠረፀ እዩ፡ ብባህርይን ብጐይትነትን ምስ አብን ወልድን ማዕረ እዩ፡ ንሱ እስትንፋሰ እግዚአብሔር ከምዝኾነ ኸኣ ንኣምን። ከምቲ ኣምላኽ ቃል ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣምላኽነቱ ኣብ ዝገለጸሉ ጊዜ፥ ነቲ ካብ አብ ዝሠረፀ፡ ባህርያዊ ኣካላዊ እስትንፋስ ጰራቅሊጦስ ክሰደልኩም እየ፡ ንሱ ኸኣ ኵሉ ክነግረኩም እዩ ብምባል ዝመስከሮ እዩ። በዚ ኣበሃህላ እዚ ድማ ንሱ ካብ ባህርይ አብን ወልድን ከምዘይፍለ ኣረድአ። ዮሓ. 15፡26። 16፡7-19።
— ሃይማኖተ አበው
9. ናይ መስቀል ምልክትን ምውዳቕን
- ትምህርቶም: ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል (Cross) ኣይኮነን ዝተሰቕለ፡ ኣብ ሓደ ቐጥ ዝበለ ዕጨይቲ/ዓንዲ (Torture stake) እዩ ዝተሰቕለ ይብሉ። ስለዚ ንምልክት መስቀል ከም ጣኦት ኣምልኾ ቆጺሮም ይነጽግዎ።
- ኦርቶዶክሳዊ መልሲ: መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኽን ክርስቶስ ኣብ መስቀል ምሰቐሉ ይነግረና። ገላትያ 6:14 “ብዘይካ ብመስቀል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኻልእ ምምክሓስ ካብኣይ ይረሓቕ” ይብል። ብተወሳኺ ኣብ ኢዱ ናይ “ኣጻብዕ ኣስማር” (Plural – Nails) ምህላዉ ዮሓንስ 20:25 ስለ ዝብል፡ ኣብ ክልተ እዱ ዝተሸንከረሉ መስቀል ምኻኑ የረድእ።
10. ደም ምውሳድ (Blood Transfusion) ምኽልካል
- ትምህርቶም: ሓደ ሰብ ኣብ መንጎ ሞትን ህይወትን እንተሃልዩ እኳ ናይ ሰብ ደም ናብ ሰውነቱ ክሓልፍ ወይ ክውሰድ (Blood transfusion) ብጽኑዕ ዝኣገደ እዩ። ደም ምውሳድ ከም ደም ምብላዕ ገይሮም እዮም ዝቖጽርዎ።
- ኦርቶዶክሳዊ መልሲ: ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተኣገደ “ደም ናይ እንስሳ ምብላዕ” እዩ ነይሩ (ዘሌዋውያን 17:10-14)። ናይ ሰብ ህይወት ንምድሓን ደም ምሃብ ግን ናይ ፍቕሪ፡ ሓልዮትን ግብሪ እዩ። ክርስቶስ’ውን “ሕይወቱ ነሕዋቱ ካብ ምሃብ ዝዓቢ ፍቕሪ የልቦን” (ዮሓንስ 15:13) ኢሉ እዩ።
11. በዓላትን ልደትን ዘይምኽባር- ትምህርቶም: ናይ ልደት በዓል (Birthday)፡ ናይ ልደት ክርስቶስ (Christmas)፡ ፋሲካ (Easter) ወይ ካልኦት በዓላት ምኽባር ናይ ኣረማውያን (Pagan) ልማድ እዩ ብምባል ኣይነኽብሩን።
- ኦርቶዶክሳዊ መልሲ: ክርስቲያናት ንልደት ክርስቶስን ትንሣኤኡን ምኽባር፡ ነቲ ኣምላኽ ንሰብ ንምድሓን ዘርኣዮ ዓቢ ምሕረትን ፍቕሪን ንምዝካርን ንምምስጋንን እዩ። 1ይ ቆሮንቶስ 11:26 “እዚ እንጀራ’ዚ ኣብ ዘበላዕኩምሉ… ሞት ጎይታ ትነግሩ” ይብል።
- ግብሪ ሃዋ 20፥16
- እንተ ዀይኑሉስ፡ ጳውሎስ ንበዓል ሓምሳ ኣብ የሩሳሌም ኬብዕል ተሀዊኹ ነበረ እሞ፡ ኣብ እስያ ምእንቲ ኸይድንጒ ኢሉ፡ ናብ ኤፌሶን ከይኣቱ ምኽሩ ወድኤ።
12. ናይ “ኣርማጌዶን” (Armageddon) ፍርሒ
- ትምህርቶም: ትምህርቶም ብዓቢኡ ኣብ ፍርሒ ዝተመሰረተ እዩ። “ኣርማጌዶን” (ዓቢ ውግእ) መጺኡ ን ኩሎም ጀሆቫ ዊትነስ ዘይኮኑ ሰባት ብሙሉኦም ከጥፍኦም እዩ፡ ንሳቶም ጥራይ እዮም ኣብ ምድሪ ብህይወት ዝትርፉ እናበሉ ንሰባት ብፍርሒ ይስሕቡ።
- ኦርቶዶክሳዊ መልሲ: ኣምላኽ ናይ ፍቕሪን ምሕረትን ኣምላኽ እዩ (1ይ ዮሓንስ 4:8)። ወንጌል ናይ ሰላም፡ ናይ ተስፋን ናይ ድሕነትን ጽቡቕ ብስራት እምበር ናይ ፍርሒን ናይ ዕንወትን መልእኽቲ ኣይኮነን።
ስብሐተ ለእግዚአብሔር ✍️