
❖ ….. ታቦት ኣብ ሓዲስ ኪዳን
The Tabot (Ark) in the New Testament:
ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን “ታቦት” ክንብል ከለና፡ ነቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ታሪኻዊ ታቦተ ጽዮን (Ark of the Covenant) ኣይኮነን እንገልጽ። የግዳስ፡ እቲ “ታቦት” እንብሎ ናይ ሓዲስ ኪዳን መሰውዒ (Altar) ኮይኑ፡ እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ታቦት ዝነበሮ ትርጉም ዝሓዘን ብክርስቶስ ዝተፈጸመን እዩ።
ታቦት ኣብ ሓዲስ ኪዳን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣምልኮተ እግዚኣብሔር ዝፍጸመሉ፡ እቲ ሓቀኛ ናይ ሕይወት መግቢ ዝኾነ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ዝቐርበሉን ዝፍተተሉን ቅዱስ ምሥዋዕ እዩ። ፡ መሰውዒ ሥጋኡን ደሙን ጌራ ኣምልኮተ እግዚኣብሔር ትፍጽመሉ።
ኣብ ሓዲስ ኪዳን ታቦት በዚ ዝስዕብ ኣስማት ይጽዋዕ (The Altar is referred to by the following names):
- ታቦተ ኪዳን (Ark of the Covenant)
- ታቦተ ምሥዋዕ (Ark of the Altar)
- መኣዲ ጐይታ (The Lord’s Table)
- ጠረጴዛ (Table)ትራፔዛ (Trapeza) 1ይ ቆረንቶስ 10:21 (“ጠረጴዛ ጎይታ”)።ግሪኽ
- ቱሲያስቴሪዮን (Thusiasterion – ስፍራ መሥዋዕቲ) ዘፍጥረት 8:20 (ንመሠውዒ ኖህ ንምግላጽ)፣ ከምኡ’ውን እብራውያን 13:10።
- ሂላስቴሪዮን (Hilasterion – ስፍራ ምሕረት) ግሪክ ቅዱስ ባስልዮስ
- ቦሞስ (Bomos – መሠውዒ ኣረማውያን) 1ይ መቃብያን 1:54, 59 (ንናይ ኣረማውያን መሠውዒ ዘመልክት)፣ ከምኡ’ውን መጽሓፍ ሲራክ 1:12 (ንመሠውዒ ዘሌዋውያን ንምግላጽ)።
- ሜንሳ ዶሚኒ (Mensa Domini – ናይ ጎይታ ጠረጴዛ)
ዝተጠቕሙሉ ኣቦታት፦ ብኣቦታት ላቲን ዝዝውተር ቃል ኮይኑ፡ ብፍላይ ቅዱስ ኣውግስጢኖስ (Augustine) ብሰፊሑ ተጠቒሙሉ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ብስም ሰማእታት (ንኣብነት “ሜንሳ ሲፕሪያኒ” – ጠረጴዛ ቆጵርያኖስ) ይጽዋዕ ነይሩ። - ኣራ (Ara – መሠውዒ) ዝተጠቕሙሉ ኣቦታት፦ቴርቱልያን (Tertullian) ንክርስትያናዊ መሠውዒ ንምግላጽ ተጠቒሙሉ ነይሩ።
- ኣልታረ (Altare – ልዑል መሠውዒ)ዝተጠቕሙሉ ኣቦታት፦ ኣብ ጽሑፋት ላቲን ዝበዝሐ ዝዝውተር ስም እዩ። ቴርቱልያን (Tertullian)፣ ቅዱስ ቆጵርያኖስ (Cyprian)፣ ከምኡ’ውን ቅዱስ ኣውግስጢኖስ (Augustine) ብብዝሒ ተጠቒሞምሉ እዮም።
ተወሳኺ ጠቓሚ ጥቕሲ
ራእይ 6:9 — “ኣብ ትሕቲ መሠውዒ ናይቶም ብሰንኪ ቃል ኣምላኽ ዝተሓርዱ ነፍሳት ርኤኹ”: እዚ ጥቕሲ እዚ ኣብ ጥንታዊት ቤተ-ክርስቲያን (ብፍላይ ኣብ ሮማ) ንመሠውዕን መቓብር ሰማእታትን ብሓባር ንምስራሕ ዓቢ ደራኺ ምኽንያት ዝነበረ እዩ።
❖ … ቅዱሳት መጻሕፍቲ
•… ዕብራውያን 13:10
“ንሕና መሰውዒ ኣሎና፥ እቶም ነታ ድንኳን ዜገልግሉ ግና ኻብኡ ኪበልዑ መሰል የብሎምን።”
” ወብነ ምሥዋዕ ዘኢይከውኖሙ ይብልዑ እምኔሁ እለ የሐርምዋ ለደብተራ።
“We have an altar from which those who minister at the tabernacle have no right to eat.”
እዚ ቃል፡ ናይ ሓዲስ ኪዳን መሰውዒ (Altar) ካብ ናይ ብሉይ ኪዳን ከም ዝፍለ የረድእ።
ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ሓድሽ ኪዳን መሰውኢ ኣሎና ከም ዝበለ ንክርስቲያን ወኪሉ ከምኡ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ታቦት ቅዱስ ቁርባን ይሰርዕ ኔሩ ኢዩ።
- … 1ይ ቆሮንቶስ 10:16
“እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋዕ ምስ ደም ክርስቶስ ኅብረት ዘለዋዶ ኣይኮነትን᎒ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ሥጋ ክርስቶስ ኅብረት ዘለዋዶ ኣይኮነትን᎒”
“Is not the cup of thanksgiving for which we give thanks a participation in the blood of Christ? And is not the bread that we break a participation in the body of Christ?”
ትንቢት ሚልክያስ 1:12 (Malachi 1:12)
“…መኣዲ እግዚኣብሄር (The table of the LORD) ርኹስ እዩ… ብምባል ተቃልሉ ኣለኹም።”
” ወአንትሙሰ ታረኵስዎ ለመስዋዕተ እግዚአብሔር እስመ ትብሉ፡— ማእደ እግዚአብሔር ንውር ወእክሉሂ ዘውስቴቱ ምኑን ውእቱ።
[ ወንጌል ማቴዎስ 5 ]
23 እምበኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ
“ውስተ ምሥዋዕ ” እንተ እምጻእካ፥ ኃውካ ኸኣ
ተቐይሙልካ ምህላዉ እንተ ዘከርካ፥
24 ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሠውዒ
“ቅድመ ምሥዋዕ ” ኅደጎ፥ ኪድ ቅድም ምስቲ ኃውካ ተዓረቕ፥
ደኃር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።
❖ … ሊቃውንትን ትውፊትን
አለቃ ኪዳነ ወልድ ክፍሌ
ኣብ መዝገበ ቃላቶም (ገጽ 893) ንታቦት ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ፦
- ታቦት ማለት “መንበር ፡ ምሥዋዕ ፥ በመንበር ላይ የሚቀመጥ ጽላት።” ኢሎም ይገልጽዎ
❖ … ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ – መጽሓፈ ምሥጢር (Abba Giyorgis of Gascha – Book of Mystery) ምንባብ ዘፋሲካ 25፥51
- “ንሕነሰ ነአምን ከመ ፍጹም ሥጋሁ ወደሙ ለክርስቶስ ኅብስቱ ቍርባን ወደመ ወይን ዘዲበ ጠረጴዛ ዘይትቄደስ በእደ ካህን።”
- “ንሕና ግና ኣብቲ ጠረጴዛ (መሰውዒ) ብኢድ ካህን ዝቕደስ ሕብስቲ ቁርባንን ወይንን፡ ፍጹም ሥጋን ደምን ናይ ክርስቶስ ምዃኑ ንኣምን።”
- “But we believe that the Eucharistic bread and wine, sanctified by the hands of the priest upon the table, are absolutely the Body and Blood of Christ.”
ሃይማኖተ አበው ቃለ ግዘት 123 ክፍሊ 5፥6
፮ እመቦ ዘይቤ በእንተ ሥጋ ቅዱስ ወደም ክቡር ዘክርስቶስ እግዚእነ ዘያዐርግዎሙ ካህናት በውስተ ምሥዋዕ ቅዱስ ወይፌጽሙ ቅዳሴ ቦሙ ወመልእክተ በእንተ ሞቱ ወትንሣኤሁ ከመ ቦሙ ሕማም ወሙስና አው መዊት ውጉዘ ለይኩን ። ፩ቆሮ ፲፩፥፳፬-፳፯ ።
- ብዛዕባ እቶም ኣብ ዝኸበረ ታቦት ካህናት ዘጻልውዎም፡ ከምኡ ውን ሞቱን ትንሣኤኡን እናዘከሩ ቅዳሴን ተልእኮን ዝፍጽሙሎም ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን፡ ሕማምን ምልዋጥን ወይ ሞት ከምዘለዎም ጌሩ ዝዛረብ እንተሎ ውጉዝ ይኹን። 1ይ ቆሮ. 11፡24-27።
❖ … ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ
(St. Cyril of Alexandria – 376–444 AD):”
፸፱፡ ጸሎተ ፈትቶ ዘቄርሎስ … ናይ ምፍታት ጸሎት
፹፩ ፤ ዝ ፡ አፍሐመ ፡ እሳት ፡ ዘአንበርኖ ፡ በቅድሜከ ፡ ቅድመ ፡ ምሥዋዒከ ፡ ቅዱስ ፡ ኢይኩነነ ፡ ኀሳካየ ፡ ወዝ ፡ ኅብስተ ፡ እምልቡ ፡ ዘፈታሕኖ ፡ ኢይኩነነ ፡ ለበቀል ፡ በእንተ ፡ ዘኢያንጸሕነ ፡ ነፍሰነ ፡ ወሥጋነ ።
፹፩፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ቕዱስ መሠውዒኻ ኣብ ቅድሜኻ ዘንበርናዮ ፍሕሚ ሓዊ ክሳሲና ኣይኹን። እዚ ብእምነት ዝፈታሕናዮ ናይ ኣምልኾ ኅብስቲ ኸኣ ነፍስናን ሥጋናን ስለ ዘየንጻሕና ንበቐል ኣይኹነና።
- አኰቴተ ቁርባን ‘ዘ ቅዱስ’ያዕቆብ ዘሥሩግ :- 25
፳፭ ፤ ዓርብ ፡ እሜኔ ፡ እኩያን ፡ አይሁድ ፡ ዲበ ፡ ዕፅ ፡ ሰቀሉከ ፡ በአምሳለ ፡ ዝንቱ ፡ ትእምርተ ፡ መስቀል ፡ ዘንገብር ፡ ንሕነ ፡ እንዘ ፡ ናነሥእ ፡ አደዊነ ፡ በዲበ ፡ ዛቲ ፡ ጠረጴዛ ።
፳፭፡ ሻቡ ዓርቢ መዓልቲ፡ እኩያን ኣይሁድ፡ ብምሳል እዚ ንሕና ኣእዳውና እናኣልዓልና ኣብዚ ጠረጴዛ እዚ እንገብሮ ዘሎና ትእምርተ መስቀል፡ ኣብ ልዕሊ ዕንጸይቲ ሰቐሉኻ።
❖ … ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ
(St. Cyril of Alexandria – 376–444 AD):”
…. አኰቴተ ቁርባን ‘ዘ ቅዱስ ቄርሎስ :- 32
፺፪ ፤ ወበእንተ ፡ ኵሎሙ ፡ ቅዱሳን ፡ እለ ፡ ተገብረ ፡ ሎሙ ፡ ዝንቱ ፡ ቁርባን ፡ ወአብአዎሙ ፡ ውስተ ፡ ቅድስት ፡ ቤተ ፡ ክርስቲያንከ ፡ ወአቀረብዎሙ ፡ ቅድመ ፡ ምሥዋዒከ ፡ ዐቢይ ፡ ወቅዱስ ።
፺፪፡ ምእንቲ ኵሎም እቶም እዚ ቍርባን እዚ ዝተገብረሎም ቅዱሳንን፡ ናብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንካ ዘእተውዎምን፡ ናብ ቅድሚ ዓብይን ቅዱስን መሠውዒኻ ዘቕረብዎምን።
❖ … ምህሮ አበው ቤተ ክርስትያን
(Teachings of the Early Church Fathers)
- ቅዱስ ኢግናጥዮስ ዘኣንጾኪያ (St. Ignatius of Antioch – c. 107 AD): ነቲ መሰውዒ፡ ማእከል ሓድነት ቤተ ክርስትያን ገይሩ ይገልጾ። “ንሓደ መሰውዒ ክትጥቀሙ ተጠንቀቑ፤ ከመይሲ ሓደ እዩ ሥጋኡ ንጐይታና… ሓደ እዩ መሰውዒ (Take care, then, to partake of one Eucharist; for one is the Flesh of our Lord… and one altar).”
- ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቂ (St. John Chrysostom – 347–407 AD):
“እቲ ናይ ቀደም መሰውዒ (ኣብ ብሉይ ኪዳን) ጽላሎት ነበረ፡ እዚ ናይ ሓዲስ ኪዳን መሰውዒ ግና ሓቂ እዩ (The former was a shadow, but this is the reality).”
- ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ (St. Cyril of Alexandria – 376–444 AD):
“ኣብ ቤተ ክርስትያንና ግና ኣብቲ ቅዱስ መሰውዒ (Holy Altar)፡ እቲ ሰማያዊ ሕብስት ዝኾነ ክርስቶስ ባዕሉ ኣሎ (In our Church, upon the Holy Altar, Christ Himself, the heavenly bread, is present).”
❖ … ስለምንታይ ኣብ ቅድሚ ታቦት ንሰግድ?
(Why do we bow before the Tabot?)
ኣብቲ ታቦት ዝተጻሕፈ ቅዱስ ስም ኣምላኽ ስለ ዘሎ እዩ
(Because the holy name of God is inscribed on it):
- ኣልፋን ኦሜጋን (Alpha and Omega)
- ኣዶናይ (Adonai)
- ክርስቶስ (Christ)
- ኢየሱስ (Jesus)
- .. ፊሊጵስዮስ 2:9-10 (Philippians 2:9-10)
“ስለዚ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ፥ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ፍጥረት፥ ብብርኩ ኪምብርከኽ እዩ።”
“That at the name of Jesus every knee should bow, in heaven and on earth and under the earth.”
❖ … ቅዳሴ ቄርሎስ – ጸሎተ ፈትቶ (Liturgy of St. Cyril)
፻፸፪ ቅዳሴ ቄርሎስ።
፲፪ ፤ ንሰግድ ፡ ቅድመ ፡ ምሥዋዒሁ ፡ ለዘይለብስ ፡ አልባሰ ፡ ዘንኁላ ፡ በደም ፤ ወለይእቲ ፡ ልብሰ ፡ እንዘ ኅት ፡ በደም ፡ ለዓለም ፡ ዓለም ።
፲፪፡ ነቲ ብደም ዝተዓለለ ኣልባስ ዚለብስ፡ ኣብ ቅድሚ መሠውዒኡ ንስገድ። ነታ ብደም ዝተዓለለት ልብሲ ኸኣ ንዘለዓለም ዓለም።
፲፫ ይ. ዲ. ስግዱ ፡ ለእግዚአብሔር ፡ በፍርሃት ።
፲፫ ዲያቆን፦ “ንእግዚአብሔር ብፍርሃት ስገዱ” ይብል።
ይ. ሕ. ቅድሜከ ፡ እግዚኦ ፡ ንሰግድ ፡ ወንሴብሐከ።
ሕዝቢ፦ “ኦ ጐይታ፡ ኣብ ቅድሜኻ ንሰግድን ነመስግነካን” ይብሉ።
- ”ንስግድ ቅድመ ምሥዋዒሁ ለዘይሰብክ አልባስ ዘንጹሕ ስደታ…”
- “ነቲ ብደም ዝተዓለለ ኣልባስ ዚለብስ፡ ኣብ ቅድሚ መሠውዒኡ ንስገድ…”
- “Let us bow down before His altar, who wears garments stained with pure blood…”
❖ … ብስም ቅዱሳን ምስያም
ታቦት ብስም ኣምላኽ (ሥላሴ)፡ ብስም ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ መላእኽቲ፡ ነቢያት፡ ሓዋርያት፡ ጻድቃንን ሰማዕታትን ይስየም (ይቕረጽ) እዩ። ነዚ መሠረት ዝኾነና ድማ ቃል ኣምላኽ እዩ፦
ኢሳይያስ 56:4-5
“ነቶም ሰናብተይ ዚሕልው፡ ንኣይ ዜሐጒስ ዚሐርዩ፡ ኪዳነይ ድማ ዜጽንዑ ስሉባት፡ ንኣታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ፡ ካብ ኣውዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ስም ክህቦም እየ።”
❖ … ቀዳማዊ አንቀጽ ፍትሐ ነገስት
፬ ፤ ጴጥ፡ ወያንትዉ ፡ በሰምዕ ፡ ወተኃዲፈ ፡ ጊዜ ፡ ይቄድስ ፡ ኤጲስቆጶስ ፡ ታቦታተ ፡ ምሥዋዕ ፡ ወየሀልዉ ፡ ምስሌሁ ፡ ጊዜ ፡ ቅዳሴሃ ፡ ፯ቱ ፡ ቀሳውስት ፡ ወዲያቆናት ፡ ኪያን ፡ ዘንብሮን ፡ ዘመእቱ ፡ ቅብዐ ፡ ትፍሥሕት ፡ እስመ ፡ ማኅተመ ፡ እግዚአብሔር ፡ ውእቱ ፡ ይደሉ ፡ ከመ ፡ ይቅድሱ ፡ በውስቴታ ።
ትርጉም
፬ ፤ ጴጥ ፡ ኤጲስቆጶስ ነቲ ናይ መሠውዒ ታቦት ኣብ ዚባርኸሉ ግዜ፡ ብስምዕን (ሽምዓ) ብዘይትን የብርሁ። ኣብ ዚባረኸሉ ግዜ ድማ ምስኡ ሸውዓተ ቐሳውስት ይኹኑ። ናይ እግዚአብሔር ማኅተም እዩ እሞ፡ ኣብ ውሽጣ ኪቕድሱ ይግባእ።
፭ ፤ ወያንብቡ ፡ ዲበ ፡ ምሥዋዕ ፡ ወንጌለ ፡ ዮሐንስ ፡ አምላካዊ ፡ ወኢይቀድሱ ፡ በላዕሌሁ ፡ ቀዳሚ ፡ ዘእንበለ ፡ ይትጋብኡ ፡ ቀሳውስት ፡ ወኤጲስቆጶሳት ፡ ወኵሎሙ ፡ ዲያቆናት ፡ ከመ ፡ ይኩን ፡ ዝንቱ ፡ ክቡረ ፡ ወፍሡሐ ።
ትርጉም
፭ ፤ ኣብቲ መሠውዒ (ኣብ መንበር)፡ ኣምላኻዊ ዝዀነ ወንጌል ዮሐንስ የንብቡ። እዚ ኽብርን ሓጐስን ምእንቲ ኪኸውን፡ ቀሳውስትን ኤጲስቆጶሳትን ኵሎም ዲያቆናትን ከይተኣከቡ ኣቐዲሞም ኣብ ልዕሊኡ ኣይቅደሱ።
ትርጉም
፮ ፤ ወለእመ ፡ ተሰብረ ፡ ምሥዋዕ ፡ አው ፡ ፈለሰ ፡ ይቀድሱ ፡ ዳግመ ፡ ወይኩን ፡ ታቦት ፡ ዘየሐውር ፡ እመካን ፡ ውስተ ፡ መካን ፡ ከመ ፡ እብነ ፡ ጽድቅ ፡ እስራኤል ፡ ዘሐለፈ ፡ እመካን ፡ ውስተ ፡ መካን ፡ …
፮ ፤ መሠውዒ እንተ ተሰብረ ወይ እንተ ፈረሰ (እንተ ተማሪኹ)፡ ከም ብሓድሽ ይቕደስ። ከምቲ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ዚዘዋወር ዝነበረ ናይ ጽድቂ ታቦት እስራኤል፡ እቲ ታቦት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይዘዋወር …
- ከም እምነትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ
ታቦት ካብ ዘይነቅዝ ዕፅን ካብ እብነ በረድን ይቕረጽ (ከምቲ ሙሴ ናይ መጀመርታ ጽላት ዝቐረጸ – ዘፀ. 34:1)።
ኣብ ልዕሊኡ ስእለ ኪሩብ፡ ስእለ ሥላሴ፡ ስእለ ቕድስቲ ድንግል ማርያም፡ ስእለ ዮሓንስ ወንጌላዊ ይሰኣለሉ።
ብጸሎት ኤጲስ ቆጶስ ተባሪኹ ይቕደስ፡ ሜሮን ተቐቢዑ ይኸብር፡ ብድኅሪኡ ናብ መንበሩ ይሥየም።
ታቦት (ጽላት) ኣብ ዘይብሉ ቤተ ክርስቲያን ቅዳሴ ኣይቕደስን፣ ቤተ ክርስቲያን እውን ኣይበሃልን።
ታቦት ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ መግለጺ እምነታን ሥርዓታን ኮይኑ፡ ንምኃዝ ኮነ ንምስካም ሥልጣን ዘለዎም ጳጳሳትን ቀሳውስትን ጥራይ እዮም።
መደምደምታ
“ናይ ብሉይ ኪዳን ታቦት የብልናን” ምባል፡ ነቲ ታሪኻዊ ንዋይ ዝቐርብ መስዋእትን ከም ዘየብልና ምግላጽ እዩ። እቲ መሰውዒና ግና እዩ እቲ ናይ ሓቂ ታቦትና፤ ከመይሲ ኣብኡ እቲ ጐይታ ኪዳን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ህልው እዩ።
ስብሐት ለእግዚአብሔር 👏