
. ብማርቲን ሉተር ዝተጀመረ
“ፕሮቴስታንት” (Protestants)
ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝምህረና፡ እምነት ፕሮቴስታንት ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን (ብ1517 ዓ.ም.) ብማርቲን ሉተር ዝተጀመረ ምንቅስቓስ እዩ። ማርቲን ሉተር ብ1483 ዓ.ም. ኣብ ጀርመን ዝተወልደ ኮይኑ፡ ኣብ ፈለማ ናይ ካቶሊክ እምነት ሰዓብን ንምንኵስና ናብ ገዳም ዝኣተወን ነበረ። እንተኾነ ግን፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዮሃንስ ዝበሃል ሰብ፡ ብስም ጳጳስ ሮማ ንህንጻ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኸውን ገንዘብ ንምእካብ “መንግስተ ሰማያት ዘእቱ ካርድ” (ናይ ሓጢኣት ስርየት ወረቐት) ንህዝቢ ክሸይጥ ምስ ጀመረ፡ ሉተር ነዚ ተግባር እዚ ኣትሪሩ ተቓወሞ።
በዚ ምኽንያት ድማ ሉተር ንገዳማዊ ሕይወቱ ገዲፉ ብምውጻእ፡ ነቲ ዝነበረ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ሮማ ብምቅዋም “Reforming church” (ተሓዳሲት ቤተ ክርስቲያን) ዝብል ሓድሽ ምንቅስቓስ መስረተ።
እቶም ናቱ እንቅስቃሰ ዝረኣዩ ድማ፡ ፕሮተስታንት ኢሎም ሰመይዎም ትርጉሙ ሰልፊ ተቓወምቲ ማለት እዩ። ካብ “protesting brothers” ዝወጸ እዩ። ናይ ሉተር ስነ ሓሳብ ኣብ ታሕቲ ፍልልይ ኣብ መንጎ ተዋህዶን ፕሮተስታንቲን ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ “ፕሮቴስታንት” (Protestants) ዝብል ስም እውን ካብዚ “Protesting brothers” (ተቓወምቲ ኣሕዋት) ዝብል ቃል ዝመጸ እዩ።
እዚ ምንቅስቓስ’ዚ ኣብ መጀመርታ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ገንዘብ መኽሰብን ምምሕዳራዊ ብልሽውናን ንምቅዋም ዝተበገሰ እኳ እንተነበረ፡ ድሒሩ ግን መስመሩ ብምስሓት፡ ነቲ ሓዋርያት ዝሰረቱዎ ቅዱሳን ኣቦታት ድማ ዘጽንዑዎ መሰረታዊ እምነት (ዶግማ) ቤተ ክርስቲያን ዝጻረር ሓደስቲ ትምህርትታት ኣምጽአ።
በዚ ድማ ነቶም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን እትኣምነሎም ኣዕኑደ ምስጢራት፡ ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን፡ ክብሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ኣማላድነት ቅዱሳን፡ ከምኡ’ውን ካብ ኣቦታት ዝተመሓላለፈ ቅዱስ ትውፊትን ቀኖናን ብምንጻግ ዓቢ ፍልልይ ፈጠረ።
ነዚ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ብምርዳእ፡ እቲ ንእምነት ፕሮቴስታንት ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝፈልዮ ነጥብታት፡ ብዶግማ (መሰረታዊ እምነት) ከምኡ’ውን ብቀኖናን ትውፊትን (ስርዓት ቤተ ክርስቲያን) ተመቒሉ ብኸምዚ ዝስዕብ ነቕርቦ፦
(መሰረታዊ እምነት) ንፈላልዩ ነጥብታት
- ባህርየ ክርስቶስ (Christology)፦ ንክርስቶስ “ክልተ ባህርያትን ክልተ ድሌታትን ኣለዎ” ኢሎም ይኣምኑ። (ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ግን “ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ” / One Incarnate Nature ምዃኑ ትኣምን)።
- ካብ ድንግል ማርያም ስጋን ነብስን ኣይወሰደን ይብሉ ንጎይታ
- ነገረ ማርያም (Mariology)፦ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ገብርኤል ብዘኸበራ ኤልሳቤጥ ብዝሃበታ ክብሪ፡ ቀዳሞት ኣቦታት ዝገለጽዋ ክብሪ፥ ክብሪ ኣይህቡዋን እዮም።
- ዘለኣለማዊ ድንግልና (Perpetual Virginity)፦ ብዘለኣለማዊ ድንግልና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣይኣምኑን፤ ድሕሪ ጐይታ ካልኦት ውሉድ ወሊዳ ኢሎም ይኣምኑ።
- ኣማላድነት ቅዱሳን ብአጸ ነብሲ (Intercession)፦ ኣማላድነት ቅዱሳን ፈጺሞም ኣይቅበሉን እዮም።
- ምስጢረ-ስላሴ (Trinity – The Holy Spirit)፦ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣብን ወልድን ይወጽእ (ይሰርጽ) ይብሉ። (ኦርቶዶክስ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣብ ጥራይ ከም ዝሰርጽ ትኣምን)።
- ምስጢራት (Sacraments)፦ ኣብ ሸውዓተ ምስጢራት ቤተ ክርስቲያን ኣይኣምኑን እዮም።
- ድሕነት (Soteriology)፦ ድሕነት ብእምነት ጥራይ እዩ (Salvation by faith alone) ይብሉ። ከም ጾም፡ ጸሎት፡ ቍርባን ዝኣመሰሉ ግብርታት ንክድሕኑ ኣየድልዩን ዝብል እምነት ኣለዎም።
- ምስጢረ ጥምቀት (Mystery of Baptism)፦ ኣብ ጥምቀት ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ኣለዎም። መብዛሕትኦም ህጻናት ክጥመቑ ኣይፈቕዱን። ብሓፈሻ ግና ኣብ ጥቕሚ ጥምቀት ኣብ ድሕነት ዘለዎ ተራን ዋጋ ኣይህብዎን እዮም።
- ምስጢረ ቍርባን (Holy Communion)፦ ምስጢረ ቍርባን (ስጋን ደምን ጐይታ) ኣይቅበሉን፡ ንድሕነት፡ ንሕድገት ሓጥኣት፡ ኣማናዊ ኣይብሉን ኢዮም ንቍርባን ከም ሓደ ናይ መዘከርታ ባኒ ጥራይ ገይሮም ይወስድዎ።
- ምስጢረ ንስሓ (Mystery of Penance/Confession)፦ ኣብ ቅድሚ ካህን ቀሪብካ ምዝዛዝ (ንስሓ ምእታው) ኣይኣምኑን እዮም።
- ምስጢረ ቀንዲል (Mystery of Unction of the Sick)፦ ንሕሙማት ዝቐርብ ጸሎተ ቄዴዎን (ቅብኣት ሕሙማን) የብሎምን።
- ምስጢረ ክህነት (Mystery of Priesthood)፦ ብክህነት ኣይኣምኑን፡ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ዝሓለወ መዓርገ ክህነት የብሎምን ።
- ቅዱሳት መጻሕፍቲ (Scriptures)፦ ንተወሳኺ መጻሕፍቲ (Deuterocanonical books) ብሓፈሻ 81 መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኣምኑን እዮም።
- ፍጻሜ ዘመን (Eschatology)፦ ጐይታ ኣብ መወዳእታ ዘመን ን1000 ዓመት ኣብ ምድሪ ክነግሥ እዩ ኢሎም ይኣምኑ።
ንመግስቱ መወዳእታ የብላን ዝብል ይዝንግዑ፡ ስጋብ 3ይ ምጽኣት ይቕበሉ ንሕና ግን ሓደ ግዜ ምጽኣት። - ጸሎት ናብ ቅዱሳን፦ ኣብ ጸሎቶም ስም ቅዱሳን ኣይጽውዑን እዮም።
- ታቦት፦ ታቦት መሰውኢ altar የብሎምን።
- ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዝኾነ ይኹን ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብናይ ውልቁ (ብናይ ገዛእ ርእሱ) ኣተረጓጕማ ክትርጉሞ ይፈቕዱ።
- ትውፊት (Holy Tradition)፦ ትውፊት (ካብ ኣቦታት ብቃልን ብግብርን ዝተመሓላለፈ ቅዱስ ውርሻ) ኣይኣምኑን ወይ ኣይቅበሉን።
- ስርዓት (Church Order)፦ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ኣይቅበሉን እዮም።
- ስእልታት (Icons)፦ ንቅዱሳን ስእልታት (Holy Icons) ኣይቅበሉን ኣየኽብርዎምን።
- ፍትሓት ንምውታት፦ ንምውታት ፍትሓት (ጸሎት) ምግባር ኣየድልን ይብሉ።
- ኣጽዋማት (Fasting)፦ ኣጽዋማት (ናይ ኣዋጅ ጾም) ቤተ ክርስቲያን ኣይቅበሉን፡ ብጾም ዝርከብ ዝኾነ የልቦን ይብሉ።
- ሽምዓን ዕጣንን፦ ኣብ ጸሎት ሽምዓ ኮነ ዕጣን ምጥቃም የብሎምን።
- መስቀል (The Holy Cross)፦ መስቀል ኣይጥቀሙን ኣየኽብርዎን ምልክት መስቀል ምምዕታብ ኣይቅበሉን።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ✍️👏