✍️

. “. ፍልልይ እምነታት ጅማሬኡ “.
. “በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ”
(In the name of the Father, the Son, and the Holy Spirit).
መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ኣብ ኤፌሶን 4:5
“ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት”
(One Lord, one faith, one baptism
( አሐዱ እግዚአብሔር፣ አሐቲ ሃይማኖት፣ አሐቲ ጥምቀት)
ብምባል የስተምህር። እንተኾነ ግን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 22 ሽሕ (22,000) ዝኾና ዝተፈላለያ ሃይማኖታት (Denominations) ኣለዋ። ጠንቂ ናይዚ ፍልልይ ድማ፡ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብናይ ውልቆም ፍልስፍናን (Personal philosophy) ምርዳእን ስለ ዝትርጉምዎ ምዃኑ እቲ ሰነድ የረድእ። ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዝተፈላለየ ግጉይ ትምህርቲ (Heresy / ኑፋቄ) ንምእላይ፡ ብቅዱሳን ኣቦታት ዝተመርሑ ዓበይቲ ጉባኤታት (Ecumenical Councils) ኣካይዳ እያ።
ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታን ጉባኤታትን
(Historical Background and Councils)
1. ዘመነ ኣርዮስን ጉባኤ ኒቅያን
(Arius and the Council of Nicaea)
ኣርዮስ (Arius) ብ257 ዓ.ም ኣብ ሊብያ ዝተወልደ ኮይኑ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እስክንድርያ ኻህን (Priest) ነይሩ። ንሱ “ወልድ ፍጡር እዩ” (The Son is a created being / ወልድ ፍጡር ውእቱ) ዝብል ናይ ክሕደት ትምህርቲ ኣምጸአ። ነዚ ግጉይ ትምህርቲ ንምእላይ ድማ ብ325 ዓ.ም ኣብ ኒቅያ (Council of Nicaea) 318 ኣቦታት ተኣከቡ። እዞም ኣቦታት ንኣርዮስ ብምውጋዝ፡ “ወልድ ፈጣሪ እምበር ፍጡር ከም ዘይኰነ፡ ምስ ኣብ ማዕረ ምዃኑ” (The Son is Creator, co-equal with the Father / ዕሩይ ምስለ ኣብ) ብምባል ርትዕቲ እምነት ኣረጋገጹ።
👉. ዘሠለስቱ ምዕት · ም 17፡1
- ስለ ሃይማኖት ኣብ ኒቅያ ዝተጋብኡ 318 ሊቃውንቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ተዛረቡ። እዞም 318 ሊቃውንቲ ንኣርዮስ ኣውጊዞም ድኅሪ ምፍላዮም ንኵሎም ሕዝበ ክርስቲያን ቅንዕቲ ሃይማኖት ወሰኑ፡ እዚ ኸኣ እግዚአብሔር ብዝሃበና ፍልጠት ተረዲእና ናይዞም ሠለስተ ኣካላት ባህርይ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ምዃኖም ንክንኣምን እዩ።
- 👉. ዘሠለስቱ ምዕት · ም 18፡5
- ናይቶም ኣብ ኒቅያ ዝተኣከቡ ብሃይማኖት ዝጸንዑ ቅዱሳን ኣቦታትና 318 ኤጲስቆጶሳት እቲ ክቡር ዜናኦም እንሆ ሎሚ ንኣና ተፈልጠ። ነዚ ኵሉ ዓለም ብሃይማኖት ዘብርሁ (ዘጽንዑ) ንሳቶም እዮም። መዝ 19(18)፡3-10። ማቴ 5፡14-16።
👉. ዘአትናቴዎስ · ም 29፡2 - በቲ ኣብ ኒቅያ ዝተገብረ ጉባኤ፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ኵሉ’ቲ ናይ መናፍቓን ነገር ከምዝጠፍአ ገይረ እሓስብ ነበርኩ፡ እንተኾነ ግና እታ ኣቦታትና 318 ኣብ ኒቅያ ዝኣመንዋ ሃይማኖት፡ ሓሶት ንምጥፋእን ነታ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣመንናያ ቅንዕቲ ሃይማኖት ንምጽናዕን ትበቅዕ እያ።
👉. ዘአትናቴዎስ · ም 30፡9- ኣቱም ዓያሹ! ቃል መጻሕፍቲ ሰሚዕኩም ፍለጡ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋሓዶ ሥጋ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ከምዝኾነ ካብ ካልእ ከምዘይኮነ እመኑ።
- ብሓቂዶ ምስቶም ኣብ ኒቅያ ዝተጋብኡ ሊቃውንቲ ትከራኸሩ ኣሎኹም፧ በዚስ ትምህርቲ ክሕደትኩም ትገልጹ ኣለኹም።
- ደቂ ቅዱሳን ኣቦታትና ክትኮኑ እንተ ደኣ ፈቲኹምሲ፡ ንሳቶም ዝጸሓፍዎ ደኣ እምበር ዝኾነ ካልእ ኣይትእመኑ፡ በዚ ነገርዚ ውን እቲ ክፉእ ሓሳብኩም ኽትፈልጡ ክእለት ኣሎኩም።
2. መቅዶንዮስን ጉባኤ ቁስጥንጥንያን
(Macedonius and the Council of Constantinople)
ድሕሪ ኣርዮስ፡ መቅዶንዮስ ዝበሃል መናፍቕ ብምትንሳእ “መንፈስ ቅዱስ ፍጡር እዩ” (The Holy Spirit is created) ዝብል ትምህርቲ ኣስፋሕፈሐ። ብ381 ዓ.ም ኣብ ቁስጥንጥንያ ብዝተኻየደ ጉባኤ፡ 150 ኣቦታት ተኣኪቦም ነዚ ትምህርቲ ብምውጋዝ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣብን ወልድን ማዕረ ዝኾነ ኣምላኽ ምዃኑ ኣጽደቑ።
👉. ዘቴዎዶስዮስ · ም 92፡8
- ነቶም ንመንፈስ ቅዱስ ዝኸሓድዎ ንሓቅን ሕግን ዝለወጥዎ ንኽከራኸሩ፡ እቶም ኣብ ከተማ ንጉሥ ቍስጥንጥንያ ዝተጋብኡ ሊቃውንት ነዚ ሃይማኖት እዚ ኣረዲኦሞ ኣለዉ። ሃይማኖት ዘረድኡ እዞም 150 ጥራይ ኣይኮኑን። ከምኡ ውን እቶም ንሃይማኖት እቲ ናይ ሰብ ግዙእ ዝኾነ ንስጥሮስ ንከርሕቑ ኣብ አፌሶን ዝተጋብኡ 200 ቅዱሳን ሊቃውንት ውን ኣረዲኦም እዮም።
👉. ዘሳዊሮስ · ም 84፡1 - ናይታ እግዚአብሔር ዝምለኸላ ዓባይ ሃገር ኣንጾኪያ ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ሳዊሮስ፥ ንመናፍቕ መቅዶንዮስ ኣውጊዙ ድኅሪ ምፍላዩ፡ምስ ኵሉ ሕዝቢ ምእንቲ ከንብባ ናብቲ ፈታዊ እግዚአብሔር ንጉሥ ኣንስጣስዮስ ጽሒፉ ዝሰደዳ ቅድስት ሃይማኖት እዚኣ እያ። እቲ ንጉሥ ውን ተቐቢሉ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ጌሩ ኣብ ቤተ መዛግብቲ ኣቐመጣ። ብእኣ ውን ንክሕደት መናፍቓን ካብ ኵሉ ኣርኃቐ።
- ከምቶም ኣብ ኒቅያ ዝተጋብኡ መንፈስ ቅዱስ ዝኃደሮምን ጉባኤኦም ዘቃንዓሎምን 318 ቅዱሳን ኣቦታትና ኤጲስቆጶሳት ዝኣመኑ ንኣምን ኢና። ከምኡ ውን እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ኣቦታትና ነዚ ከም ቅዱስ ርስቲ ጌሮም ተቐበሉ። ከምኡ ድማ እቶም ቅድሜና ኣብ ቍስጥንጥንያ ዝተጋብኡ 150 ከምኡ ውን ኣብ ኤፌሶን ዝተጋብኡ ኣቦታት ዝወሰንዎ እዩ።
👉. ዘቴዎዶስዮስ · ም 83፡30
- ኣነ ንኵሎም መናፍቓን፥ ንሰባልዮስ፡ ኣርዮስ፡ መቅዶንዮስ አወግዞም። ዝያዳ ድማ ነቶም ክሕደት ዘጽንዑ አወግዞም። እዚኣቶም ከኣ ንስጥሮስ፡ ታኦድሮስ፡ ታኦድሪጦስ፡ ሳማሳጢ ጳውሎስ፡ ጽሉእ እንድራኦስ፡ ከምኡ ውን ብደብዳቤ ልዮን ድኅሪ’ቲ ዘይምርመር ተዋሕዶ ናይ ኣማኑኤል ኣካል ባህርይ ክልተ እዩ ዝብሉን ኣብ ኬልቄዶን ዝተጋብኡ ማኅበርን እዮም።
3. ንስጥሮስ፡ ኣውጣኪን ጉባኤ ኤፌሶንን
(Nestorius, Eutyches, and the Council of Ephesus)
ንስጥሮስ (Nestorius) ፓትርያርክ ቁስጥንጥንያ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብ431 ዓ.ም ኣብ ኤፌሶን ብ200 ኣቦታት ተወገዘ። ትምህርቱ ኸኣ ክርስቶስ “ክልተ ኣካል ክልተ ባህርይ እዩ” (Two persons, two natures) ዝብልን፡ ድንግል ማርያም ድማ “ወላዲተ ሰብ እምበር፡ ወላዲተ ኣምላኽ ኣይትበሃልን” (Mary is Mother of Christ, not Mother of God / ወላዲተ ሰብእ) ዝብል ነበረ። ኣቦና ቅዱስ ቄርሎስ (St. Cyril of Alexandria) ግና “ክርስቶስ ሓደ ኣካል፡ ሓደ ባህርይ ምዃኑ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ካኣ ወላዲተ ኣምላኽ (Theotokos / ወላዲተ ኣምላክ) ምዃና” ብምምስካር ስዒሩዎ።
ብኣንጻሩ ድማ ኣውጣኪ (Eutyches) ዝበሃል ሰብ፡ ንንሥጥሮስ ክቃወም ኢሉ “ስጋ ብመለኮት ተዋሒጡ” (The human nature was absorbed by the divine) ብምባል ካልእ ናይ ጌጋ ትምህርቲ ኣምጽአ።
👉. ቃለ ግዘት · ም 121፡
- ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ቄርሎስ ዝተዛረባ 12 ክፍሊ ቃለ ግዘት እዚኣ እያ፣ እዚኣ ውን ኣብ ኤፌሶን ኣብ ዝተገብረ ቅዱስ ጉባኤ ዝተጻሕፈት እያ።
- ናይ ባህርይ ኣምላኽ ፈጣሪና ኣማኑኤል ፍጹም ኣምላኽ ከምዝኾነ፣ ድንግል ውን ንኣምላኽ ብሥጋ ከም ዝወለደቶ፣ ኣምላኽ ቃል ኸኣ ፍጹም ሰብ ከምዝኾነ ዘይኣምን እንተሎ ውጉዝ ይኹን።
- ትርጓሜ፣ ብፁዓን ኣቦታትና ነዛ ቅንዕቲ ሃይማኖት ንኸጽንዑ ኣብ ኒቅያ ኣብ ዝተኣከቡሉ ዘመን ከምዚ በሉ፦ በቲ ዝረአን ዘይርአን ኵሉ ፍጥረት ዝፈጠረ፡ ንዅሉ ፈጢሩ ውን ዝገዝእ ሓደ እግዚአብሔር አብ ንኣምን፣ በቲ ሓደ ጐይታ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ውን ንኣምን፣ በቲ ምስኡ ትኽክል መድኃኒ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ድማ ንኣምን።
- “ ቃል ብድኅሪ አብ ተረኽበ ዝብሉ ግና ውጉዛት እዮም። ኵሉ ብእኡ ተፈጥረ፡ ካብቲ ኵሉ ዝተፈጥረ ፍጥረት ውን ንሱ ዘይፈጠሮ የልቦን፣ ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን ካብ ባህርይ ኣምላኽ ዝተረኽበ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ንሱ ኣብ ዳኅራዋይ ዘመን ነፍስን ሥጋን ወሲዱ ሰብ ኮነ፡ ሓመመ፡ ሞተን ተንሥአን፣ ከመይ ንሱ ብባህሪኡ ዘይልወጥ ኣምላኽ እዩ።
- ከምቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ፥ ካብ ባህርይ ኣብርሃም ሥጋ ወሰደ፡ ናይ አብ ኣካላዊ ቃል ወልድ ዋሕድ ንሱ እዩ። ንሱ ብነፍስን ብሥጋን መሲሉና እዩ እሞ ካብ ድንግል ብሥጋ ተወልደ፣ ከማና ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተራእየ። መለኮት ናብ ሥጋ ምዃን ኣይተለወጠን። በቲ ቀደም ዝነበሮ ባህርየ መለኮቱ ደኣ ጸኒዑ ብኽብሪ ይነብር እምበር ፈጺሙ ኣይልወጥን እዩ፡
- ሰብ ኮይኑ እንተበልና ውን ባህርየ ትስብእት ናብ መለኮት ምዃን ኣይተለወጠን። ንሱስ ንዘለዓለም ጸኒዑ ደኣ ይነብር። ንሱ ብፍቓዱ ሓመመ፣ ኣብ መንጎ መለኮቱን ሥጋኡን ተፋልሶ ኣሎ ኣይንብልን።
- ብዛዕባ ሥጋኡ ውን፥ ለባዊት ነባቢትን ሕያዊትን ነፍሲ ኣላቶ፣ ምስ ቃል ውን ሓደ ገበራ፣ እዚ ኸኣ ልዕሊ ኣእምሮና እዩ፡ ክንበጽሖ ውን ኣይንክእልን ኢና፣ ንሱ ከምዝፈልጦ ደኣ ንርእሱ ነዚ ሥርዓት’ዚ ሠርዐ እምበር። ንሱ ምስቲ ብዝተፈልየ ኣካሉ ዝተዋሓዶ ሥጋ ሓደ ኮይኑ ይነብር። ብዘይምልዋጥን
- ቅድሚ ዘመንን ቅድሚ ዕለትን ዝነበረ ኣምላኽ ቃል ንሱ እዩ። ከምኡ ውን ንሱ ንአብ ቃሉ፡ መፈለጢ ኣካሉ ከምዝኾነ፣ ቅድሚ ኵሉ ዘመንን ዕለትን ምስኡ ከምዝነበረ ንፍለጥ፡ ብዳኅራይ ዘመን ድማ በቲ ዘደንቕ ሥራሕ (ተዋሕዶ) ምእንታና ሰብ ኮነ። ሕጂ ውን ነቲ ምእንቲ ድኅነት ኵሉ ሰብ ካብ ድንግል ብሥጋ ዝተገብረ ልደቱ ዘይኣምኑ ኣለዉ። ኣምላኽ ንኽበሃል ጸኒሑ ገዛኢ ኣይኮነን፣ እኳ ደኣ ካብ ሞትን ፍዳን ንከድኅነና ኣምላኽ ከማና ሰብ ኮነ፡ ብዘይ ወለሓንቲ ኃጢኣት ንኣና ዝኸውን ኵሉ ፈጸመ።
- በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቶም ካብ ትምህርቲ ናይታ ሓዋርያት ዝኣከብዋ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ወፂኦም ሃይማኖት ዝልውጡ ሰባት እዚ ናይ መጀመርታ ግዝት ተገብረ። ንሕና ክርስቶሳውያን ግና ብቅንዕቲ ሃይማኖት ኣማኑኤል ኣምላኽ ከምዝኾነ ንኣምን፣ በዚ ኸኣ ድንግል፥ ወላዲት ኣምላኽ ተባህለት።
4. ጉባኤ ኬልቄዶንን ምምቃል ቤተ ክርስቲያንን
(The Council of Chalcedon and the Great Schism)
እቲ ዝዓበየ ምምቃል ቤተ ክርስቲያን ዝመጸ ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን እዩ። ብሰንኪ ናይ ፖፕ ልዮን ትምህርቲ (The Tome of Leo)፡ ክርስቶስ “ክልተ (2) ባህርይ ሓደ (1) ኣካል እዩ” (Two Natures in One Person / Dyophysitism) ዝብል ሓሳብ ስለ ዝቐረበ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክልተ ተመቕለት። እተን ነዚ ናይ ክልተ ባህርይ እምነት ዝተቐበላ ኣብ ክልተ ተመቒለን፡ ግሪኽን (Eastern Orthodox) ሮማን (Roman Catholic) ተባሂለን ተፈልያ። ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ (Oriental Orthodox) ግና “ሓደ ባህርይ” (One Incarnate Nature / ተዋህዶ) ብምባል ነቲ ጉባኤ ነጸገቶ። ንካቶሊክ ካብ ተዋህዶ ዝፈሊዎም ድማ ብቐንዱ እዚ ናይ “ክልተ ባህርይ” እምነት እዩ።
👉. ዘዲዮናስዮስ · ም 99፡19
- ስለዚ ድማ ከምቲ ንጹሓን ኣቦታትና፡ ህላዌያት ካብ ሓደ ህላዌ ከም ዝበዝኁ ዝተዛረቡ፡ ብዛዕባኡ ንዛረብ ኣሎና። ‘ መምህራን ኢና ‘ ዝብሉ ሰብ ኬልቄዶን በቲ ክሕደቶም ‘ ክልተ ባህርይ እዩ። ኣካላት ዝተባህሉ ህላዌያት እዮም። ንሳቶም ውን ድኅሪ ተዋሕዶ ብዘይ ምልዋጥ ኣለዉና፡ ብዛዕባ እቲ ሰብ ዝኾነ ቃል ውን ከምኡ እዩ ‘ ብምባል ዝልእክዎ እዚ እዩ።
👉. ዘዲዮናስዮስ · ም 99፡20 - እንሆ እቲ ዓቢይ ኣትናቴዎስ ብዛዕባ እግዚአብሔር ቃል ሰብ ምዃን ኣብ ዝተዛረበሉ ድርሳኑ ከምዚ ክብል ምሃረና፥ ‘ ሥጋ ግዙፍ ውሱን ስለዝኾነ ምስ እግዚአብሔር ቃል ኣይተሓዋወሰን። ተፈጥሮ ሰብ ካብ ነሓድሕዶም ዘይመሳሰሉን ዘይሓብሩን ነገራት እዩ። ከምቲ ሰብ፥ ካብ ነፍስን ሥጋን ዝተረኽበ ሓደ፡ ካብ ዘይሓብሩ ነገራት ውን ዝተረኽበ ሓደ ኣካል እንከሎ ነፍሲ ምስ ሥጋ ዘይትተሓዋወስ፡ ከምኡ ድማ ቃል ምስ ሥጋ ኣይተሓዋወስን እዩ ‘ በለ።
👉. ዘዲዮናስዮስ · ም 99፡21 - መለኮት ምስ ትስብእት ድኅሪ ምውሕሓዱ ንእግዚአብሔር ክልተ ባህርያት ከምዘለዎ ዝዛረብ ሰብ እንተሎ፡ እንሆ ብዘይ ምኽንያት ክልተ ኣካል ክልተ ባህርይ ከምዝኾነ ይኣምን እዩ ዘሎ። ክልተ ኣካላት ሓደ ከምዝኾኑ ዘይዛረብ ካብ ሊቃውንቲ መን እዩ፧ እቲ ሰብ ዝኾነ እግዚአብሔር ቃል ሓደ ባህርይ ሓደ ኣካል ከምዘይኮነ ብዘረባ ዝሰሓተ፡ ከምኡ ውን ክልተ ባህርያት ከምዝኾነ ዝዛረብ ሰብ፡ ንሱ እቲ ክልተ ኣካል ክልተ ባህርይ ዝበሎ ናብ እግዚአብሔር ቃል ሠለስተ ኣካላት ኣለውዎ ንኽብል ዘገድዶ ምዃኑ ይፍለጥ።
👉. ዘዲዮናስዮስ · ም 99፡22 - ንህላዌ ኣካል ኣብ ዝብለሉ ጊዜ ናብ ንጉሥ ልዮን ጽሒፉ ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቱ ኣእምሮኡ ዝረቐቐ ናይ ስንድያ ኤጲስቆጶስ ምቅላስዮስ ነዚ ነገር’ዚ ተዛረበ ከምዚ ኸኣ በለ፥ ‘ ክልተ ኣካል ክልተ ባህርይ ማለት እቲ ሓደ ናይ እግዚአብሔር ቃል ባህርይ፡ እቲ ካልኣይ
- ብሓቂ እዞም ዝከራኸሩና ሰባት፥ ‘ ክልተ ባህርያት ብዘይ ምትሕውዋስን ብዘይ ምጥፍፋእን ከመይ ኢሎም ክነብሩ ይከኣል፧ ይብሉ ይኾኑ። ንሕና ድማ ኣቱም ሰባት ኣብ ዓንቀጸ መጽሓፍ፥ ‘ ህላዌ ‘ ንዝተፈላለየ ወገን ባህርይ ከም ዝንገር፡ ካብቶም እግዚአብሔር ዝኃደሮም ኣቦታትና ሎሚ ደጋጊምኩም ሓቲትኩም ተረድኡን ፍለጡን ኢልና ንምልሰሎም። በቲ ነሓድሕዶም ዘይሓብሩ ነፍስን ሥጋን ሓደ ዝኾኑሉ ሥርዓት፥ ብዛዕባ ሓደ ኣካል ብዛዕባ’ቲ ባህርየ ትስብእት ዝንገረሉ ቦታ ኣሎ። ካልኣይ ድማ ብዛዕባ’ቲ ግዘፍ ዘይብሉ ብዛዕባ ሓደ ቀዳማዊ ባህርየ መለኮት ዝንገረሉ ኣሎ። እዚ ኸኣ ብዳኅራይ ዘመን ነባቢት ነፍሲ ዘለዎ ሥጋ ወሲዱ ሰብ ዝኾነ እግዚአብሔር ቃል እዩ።
- ደጊሙ ውን ኣብ ካልእ ዓንቀጽ፥ ‘ እቲ ቀዳምን ሰዓብን ዘይብሉ ወልድ ዋሕድ፥ ነቲ ሓደ ንሰግደሉ ነቲ ካልእ ዘይንሰግደሉ ክልተ ኣካል ክልተ ባህርይ ኣይኮነን። እኳ ደኣ እቲ ነፍሲ ዘለዎ ሥጋ ዝተዋሓደን ምስ ሥጋ ሓንቲ ስግደት ንሰግደሉን እግዚአብሔር ቃል ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ እዩ ‘ በለ።
👉. ዘቴዎዶስዮስ · ም 92፡9 - እቲ ዓሻ ከሓዲ ልዮን ዝጸሓፎን ጉባኤ ኬልቄዶን ዝወሰኖን ሃይማኖት ንከጥፍእ ዝፈተወ፡ ብኣምልኮተ እግዚአብሔር ጸኒዑ ዝነብር ንጉሥ ዘይኑን ዝኣከባ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ዝጸሓፈቶ ውን ምስኣቶም ኮይነ እቕበሎ እየ። ካብ አብ ዝተወልደ፡ ዓለም ከይተፈጥረ ዝነበረ ኣቦ ካብ ዘይብሉ ኣቦ ዝተረኽበ፡ ቀዳምን ሰዓብን ዘይብሉ ወልድ፡ ምስ አብ ብቅድምና ዝነበረን ምስኡ ሓደ ባህርይ ዝኾነን፡ ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን ዘይልወጥ ሕያው ኣምላኽ፡ ዘይርአ፡ ኵሉ ብሥልጣኑ ዝተፈጥረ፡ ኵሉ ብእኡ ጸኒዑ ዝነብር ቃለ አብ፡ ብዳኅረዋይ ዘመንን መዓልትን ብኵሉ ጊዜ ድንግል ካብ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ፍጹም ሰብ ከምዝኾነ፡ እትዛረብን እትፈልጥን ነፍሲ ዘለዎ ናትና ባህርይ ብዘይምልዋጥ ብዘይምትሕውዋስ ወሲዱ፡ ሕፃናት ብዝርከቡሉ ኣካል ከምዝተፀንሰ እኣምን እየ።
👉. ዘኪራኮስ · ም 91፡28
- ከምኡ ውን እቶም ኣብ ኬልቄዶን ዝተጋብኡ፡ ንተዋሕዶ ዝዘንግዑን መልእኽቲ ከሓዲ ልዮንን ክልተ ባህርይ ክልተ ግብሪ ከምዝኾነ መሃሩ። ከም ኣተሓሳስብኦም፥ ነፍሲ ወከፍ ካብ ባህርያት በይኑ ዘዝሰማምዖ ዝመሰሎ ይሠርሕ። መን እዩ ካብ ሰብ ነዚ ሰሚዑ ዘይግረም፧ ብኽልተ ባህርያት ካብ ኣመኑስ፡ ባህርይ ብዘይ ኣካል ክርከብ ኣይክእልን እዩ፡ ኣካል ውን ኣካል ብዝመስል ባህርይ እዩ እምበር ብዘይ ባህሪኡ ክርከብ ኣይክእልን እዩ። እዚ ድማ ባህርይ እዩ። ንሳቶም ምስቲ ክልተ ባህርያት ዝብልን ምስቲ ክልተ ኣካላት ዝመሃረን ሓደ እዮም። እዚ ድማ በቲ ኽሕደቶም ንከሓዲ ንስጥሮስ ምምሳሎም እዩ።
መደምደምታ
ብሓጺሩ ክጥቃለል ከሎ፡ እዚ ኹሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍልልይ ሃይማኖታት ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነስ፡ ሱሩ ካብ ዘመነ ኣበው (Patristic Era) ጀሚሩ ብሰንኪ ናይ ሰባት ፍልስፍናዊ ትርጉማት (Philosophical interpretations) ዝማዕበለ እዩ። ቀዳሞት ኣቦታት (The Early Fathers) ነታ “ሓንቲ እምነት” (The One Orthodox Faith) ካብ ዝተፈላለዩ መናፍቓን ንምክልኻል ዓበይቲ ጉባኤታት ብምክያድ ሓቂ ኣጽኒዖም ኣሕሊፎምልና እዮም።
ስለዚ፡
” እምነት ሓንቲ እያ”
(Faith is one )
( አሐቲ ሃይማኖት)
ዝብል መሰረታዊ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ተረዲእና፡ ታሪኽ ኣቦታትና ክንፈልጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
” ንሕነሰ ንተሉ እምነተ አበዊነ ቅዱሳን እንበለ ተወላውሎ።
ዘቄርሎስ · ም 70፡1
ትግርኛ
- መምህር ዓለም፡ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ቄርሎስ ዝመሃሮ ሃይማኖት እዚ እዩ። ንሕናስ ብዘይምውልዋል ናይቶም ዓበይቲ ኣቦታትና ሃይማኖት ኢና ንስዕብ፡ በለ።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ✍️👏